Go to content
 

Tigrinya/ትግርኛ

Legal Aid ብከመይ ክሕግዘኩም ትደልዩ?

ብዝኾነ ኩነት ንዘጓንፉ ናይ ሕጋዊ ሽግራት፤  ከምገበነኛ ኾይኑ ዝውሰድ ናይ ወንጀል ግድል፣ ናይ ስድራ ቤት ዕንወት፣ ናይ ቆላዓ ሓገዝ፣ ኣእምሮኣዊ ሕማም፣ ቤታዊ ጎንጻ፣  ዕዳ፣ ናይ ገዛ ሽግር፣ ማሕበራዊ ሓልየትን ስደትን (immigration) ዝኣመሰሉ ክንሕግዘኩም ንኽእል ኢና።

ካብቶም ብናጻ ነውፍዮም ናይ ሕጋዊ  ኣገልግሎታት ዝጥርንፍዎም፡ 

  • ሓበሬታ በስልኪ ምሃብ 
  • ቆጻራ ኣቐድምካ ብምግባር በአካል ምኽሪ ሃሳብ ምርካብ 
  • ሕታማት፣ ሰሚናራትና ቤት ዕዮታት

ካብ ሕጋዊ ሓበሬታታት ብተወሳኺ፤ ካልኦት  ሓገዛት ከም Legal Aid ህያብ ብኣምሳሉ ምምልካት ይካኣል እዩ፤ እንተኾነ ግና እቲ ህያብ ንምርካብ ኩነታት ይውስኖ እዩ።

ጻውዒት ናብ ሓገዝ መስመር LawAccess NSW ብስልኪ ቑፅሪ 1300 888  529 ብምድዋል፣ ብኸመይ ክንሕግዘኩም ከምንኸዕል  ሓበሬታ ምርካብ ይካኣል እዩ።

ቋንቋኹም ዝዛረብ ግለሰብ እንተድኣ ክትረኽቡ  ደሊኹም’ድማ፣ ናብ ትርጉምን ኣስተርጓሚን ኣገልግሎት (TIS) ብስልኪ ቑፅሪ 131 450 (ካብ ሰዓት 9 ንጉሆ ስጋብ ሰዓት 5 ድሕሪ ቐትሪ) ኣብዘሎ እዋን ብምድዋል፣ ተርጓማይ ብምሕታት ናብ LawAccess NSW ብስልኪ 1300 888 529 ደዊልፕም ከዘራርቡኹም ግበሩ።