ናይ ሕጊ ምኽሪ

Legal Advice - Tigrinya (ትግርኛ)

ሓደ ጠበቓ ኣብቲ ፍሉይ ናይ ሕጊ ጸገምካ ሓገዝ ክህበካ እንከሎ ነዚ ናይ ሕጊ ምኽሪ ኢልና ንጽውዖ። ናይ ሕጊ ምኽሪ ካብቲ ዝያዳ ሓፈሻዊ ክኸውን ዝኽእልን መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ሕጊ ዝፈልጥ ግን ከኣ ጠበቓ ብዘይኮነ ሰብ ዝወሃብን ናይ ሕጊ ሓበሬታ ዝተፈልየ እዩ።

Legal Aid NSW ንዝኾነ ኣብ NSW ናይ ሕጊ ጸገም ዘለዎ ሰብ ብመንገዲ ሕጋዊ ሓበሬታን ናብ ዝምልከቶ ኣገልግሎትናን LawAccess NSW ብምልኣኽ ናይ ሕጊ ሓበሬታ ይህብ።

ንብቑዓት ሰባት ብተሌፎንን ኣብ ብዙሕ ቦታታትን ኣብ መላእ NSW ነጻ ናይ ሕጊ ምኽሪ ንህብ።

ኣብ ምኽርኻ እንታይ ክትጽበ ኣለካ

ናይ ሕጊ ምኽሪ መድረኻትና ብናጻ ኾይኑ ብሓፈሻ እንተበዝሐ 20 ደቓይቕ ዝወስድ እዩ። ጠበቓ ብዛዕባ ጸገምካ ክትዛረብ ከለኻ ክሰምዓካ እዩ፣ ገለ ስዒቡ ዝመጽእ ሕቶታት ክሓተካ እዩ፣ ቀጺሉ እንታይ ክትገብር ከም ዘለካ ንክትውስን ድማ ክሕግዘካ እዩ።

ጠበቓ እንተዘይብልካ ድማ ኣብ ሓጸርቲ ሰነዳት ሓገዝ ክህቡኻ ይኽእሉ ይኾኑ። ኣብ ነዊሕን ዝተሓላለኸን ሕጋዊ ንዝኾኑ ሰነዳት ግን ክሕግዙኻ ኣይክእሉን እዮም።

ጠበቓኻ እውን ኣብ ጉዳይካ ሓገዝ ምሃብ ክቕጽል ዝኽእል ምዃኑ ክነግረካ እዩ። እንተድኣ ሓገዝ ምሃብ ክቕጽል ኮይኑ ሰራሕተኛታት ናይ ሕጊ ሓገዝ መመልከቲ ንምምላእ ክሕግዙኻ እዮም።

ድሕሪ ናይ ምኽሪ እዋንካ ዝያዳ ክንሕግዘካ እንተዘይክኢልና፡ ንዝበለጸ ሓገዝ ንምርካብ ናበይ ክትከይድ ከም እትኽእል ሓበሬታ ክንህበካ ንኽእል ንኸውን።

ብዛዕባ እንታይ ኢና ምኽሪ ንህብ

ጠበቓታትና ንፖሊስ ዝምልከት ገበናዊ ጉዳያት፡ ንህጻናት ዝምልከት ጉዳያት ስድራቤት ወይ ናይ ርክብ ምብትታን፡ ወይ ድማ ምስ መሰረታዊ ድሌት ከም መንበሪ ገዛ፡ ደገፍ ኣታዊ ወይ ተበጻሕነት ደገፍ ጥዕናን ኣካል ስንክልናን ኣብ እትሽገረሉ ፍትሓዊ ሕጊ/ሲቪላዊ ጉዳያት ክድግፉኻ ይኽእሉ።

መን እዩ ሕጋዊ ዝኾነ ምኽሪ ክረክብ ዝኽእል

ንኹሉ ሰብ ሕጋዊ ዝኾነ ምኽሪ ኣይንህብን ኢና። ዕላማና ኣብ NSW ንዝርከቡ ኣብ ትሑት መነባብሮ ዝተበደሉ  ሰባት ሕጋዊ ዝኾነ ኣገልግሎት ምሃብ እዩ፣ ነዚ ንምዕዋት ድማ ድሩት መገልገሊ ጸጋታት እዩ ዘለና።

ከመይ ጌርካ ናይ ምኽሪ መደብ/ቆጸሮ ትሕዝ

ነጻ ናይ ሕጊ ምኽሪ ንክንህበካ ወይ ቆጸራ ክንሕዝ ንኽእል እንተኾይንና ንምፍላጥ እቲ ዝበለጸ መንገዲ ምስ ኣብ LawAccess NSW ዝርከብ ጕጅለ ጋንታና ምዝርራብ እዩ።

ብስልኪ ቁጽሪ 1300 888 529 ብምድዋል ወይ ድማ ናይ ኦንላይን ዌብቻት ኣገልግሎት ብምጥቃም ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ። ካብ ሰዓት 9am ንግሆ ክሳብ ሰዓት 5pm ድሕሪ ቀትሪ ፡ ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ (ህዝባዊ በዓላት ከይሓወሰ) ክፉታት እዮም።